Monday, September 8, 2008

ወየንቲ ብሸዉዓተ ጥይት ተኲሶም ኣቑሲሎሙ ናብ ዱር ወሲዶም ደርቢየሙኒ

ካብ ገበን ማህደር ወየንቲ
ወየንቲ ብሸዉዓተ ጥይት ተኲሶም ኣቑሲሎሙ ናብ ዱር ወሲዶም ደርቢየሙኒ
ትርጉም
ጌታቸዉ ረዳ 

አብ መጽሄት ኢትኦጵ ንቃለ መሕተት ቀሪቡ ዝነበረ ብረሃነ ገብረሕይወት ዝተብሃለ ትግራዋይ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ቃል ምልልስ ንኣንበብትና ነቕርብ። ብርሃነ ኣብ ገድሊ ህዝባዊ ሓርነት ወያነ ትግራይ ንክጋደል ብተደጋጋሚ ተጠይቑ ምስ ኣበየ፤ ናይ ትግራዋይነትመጸዋዕታ ስለዝነጸጎ ብተደጋጋሚ ምስታኣስረ ብዘሰክሕ ግብረ ጭካነ ብሸዉዓተ ጥይት ከምዘቑሰሉዎ ይዛረብ። ህይወቱ ሙሉእ ንበተኽስያን ካብ ምግላል ንንዉ ዝእልሾን ዝደልዮን፤ድልየት ከምዘይብለይ እንተተዛረብኩዎምእዉን ፍልይ ዝበለ ግፍዒ አብ ልዕለይ ተፈጸሙ ይብል።

አብ አኽሱም ዝተዉሃቦ ናይ ድቁና ምስክርወረቐት እዉን ናይ ህወሓት ተጋደልቲ ሃባኢሎም ካብ ጁባይ ኣሕዲጎም ቀዳዲደሙለይ እዮም። እቲ ብጥይት ተኲሶም ዘዉረዱሉ መዉጋእቲ ከቢድ ስለዝኾነ ጥቁር አምበሳ ሆስፒታል ክሕከም ጸኒሑ ሰነ 20 1986 ኣብወጻእ እምበር ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ክድሕን ከምዘይኽእል ኣራጋጊጹሉ እዩ። ፍሉይን ዝላዓለ ሕክምና ዘድልዮ ሙኻኑ ዘራጋገጸሉ ሓካይምን እዉን ዶክተር ተመስገን ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ፈላጥ፤ ዶክተር ዘርአ ገብረማርያም መዲካል ድሬክተር፤ፕሮፌሰር ድብሊዉ ማክሊን ክፍሊ መጥባሕቲን ምዕዳንን እዮም። ጸኒሑ ብዝብራህርሆ ምኽንያት ካብ እቲ እንዳታሓከመ ተጸጊዑ ዝነበረሉ ዝነበረ መዕቖቢኡ ኣዉጺኦም ናብ ደገ ብራንዳ ከምዝደርበዩዎ ኣምሪሩ ይገልጽ።

ናይ ብርሃነ ጉዳይ ክሳብ ኬኒያ በጺሑ እዩ።ናብ ትግራይ ቅልቅል ኢሉ እውን ናይ ክልል መንግሥቲ ትግራይ ዋና ጸሓፊት ዝነበራ ወይዘሮ አረጋሽ አዳነ እዉን አዛራሪቡ እዩ። ንወይዘሮ አረጋሽ ብዘዛረበሉ እዋን ኣብ አንደር/ግራዉንድ ማለት ኣብ ዉስተ/መሬት ንነዊሕ ናብ 3 ሰዓትን ፈረቓን ዝኣክልብጥያቄ መርመራ ማይ ከይሰቲ ተኸልኪሉ ብጻምእ ማይ ምስ ቁሱልን ዱኹምን ኣካላቱ ከምዘንካላበቱዎን ዘጨነቑዎን ይዛረብ።

ኣብ ኣካላት ብርሃነ ዝራኣይ ቁስሊ ብዓይንን ብእዝኒን ዝራኣይ እንምስክሮ ነገር እዩ። ካብ ቁስሉ ንክፍወስ 6 ሚሊዮን ቅርሺ 200 ሺሕ ናይ ኬኒያ ሽልንጊ / 103 ሺህ ዶላር/ ከምዘድልዮ ዶክተር ጃን ዝተብሃለ ኣብ ኬኒያ ዝርከቡ ሓካይም ዝፈረሙሉ ብፈረንጂ ዲሰምበር 21 /1998 ዝተጽሓፈ ወረቐት እዉን ምስ ብርሃነ ኣሎ።በታን በታን ካብ አንደበቱ እንታይ ከምዝብል እነሆ።እዝኒ ዘይሰምዖ የለን፡ተጋደልቲ ህወሓት ብሸዉዓተ ጥይት ብሪጋ ተኲሶም ኣቑሲሎም ናብ ዱር በረኻ ሻምቦ/ሻምቦ ኢሎም ወሲዶምከም ኣራዊት ንዝብኢ ደርቢየሙኒ ዝብለና ዘሎ ብርሃነ እነሆ።

ስምካ መን ክብል

 

ብርሃነ ገብረሕይወት ትዉልዲ ዓድኻ

 

ብረሃነ

ዓድዋ አዉራጃ ኣብ ትዉልዲ ከባቢኻ ኣብ ትግራይ እንታይበደል በጺሑኒ ኢኻ እትብል ዘለኻ 

 

ብረሃነ

ተምሃራይ እንዳሃለኹ ማለት ናይ ቤተክህነትተምሃራይ እንዳሃለኹ ማለት እዩ፤ 1975;ካብ አኽሱም ድቁና ተቐቢለ ምስ ተመለስኩዉድቕቲ ለይቲ ዘይፈልጦም ሰባት እሳ/ዕሳናብ ዝባሃል ቦታ ኣሲሮም ወሰዱኒ። ብድሕሪኡ ናትካ ድቁና ኣይሰርሕን እቲ ሕዚ ዘሎ ጳጳስ ምስ ደርጊ ሰብ ንክቕተል ዝኣወጀ ስለዝኾነ ቅስና ይኹን ድቁና ክባርኽ ኣይኽእልን፡ ኣይግበኦን ዝብል መመኽነይታ ሃቡኒ። አዚ ዝብልዎ ዘለዉ ጳጳስ መን እዩ 

ብረሃነ፡

ሕዚ ስሞም ወንጋእ ኢሉኒ ኣሎ። በቲ ጊዜ እቲ ስሞም አብቲ ዝተዉሃበኒ ምስክር ወረቀት ሰፊሩ ነይሩ። ትግራዋይ ድዮም፡

ብረሃነ፡

እንድዒኸ፤ በቲ ጊዜ እቲ ኣምሓርኛ እዮም ዝዛረቡ ነበሩ።

ኣብቲ 1975 / ወረቐት ዝተዉሃብካሉ/ ዝተመረቕካሉ ቦታ ደርጊ ኣይኮነን እዩ ዘማሓድሮ ነይሩ/

ብርሃነ፡

 ከከተማኡ ደርጊ እዩ ሃሃገረሰቡ ድማ ንሶምተሓህት እዮም ነይሮም ዘማሓድሩዎ። ካብ ሃገረስብ ድዮም ሒዘሙኻ

 

ብረሃነኣብ ሃገረስብ እወ። ኣነ ብዛዕባ ናታትኩም ዕላማ ኣይፈልጥን ቅድሚኡ እዉን ዝፈልጦ ነገራት የብለይን ምስበልኩዎም 10 መዓልቲቅጽዓት ኢሎም ኣሲሮም መንነት ወረቐተይ ቀዲዶም ብድሕሪኡ ደርጊ ኣብዘለዎ ከባቢ ዝር ከይትብል ኢሎም ኣሲሮም አስጠንቂቖም ዋሕስ ኣቁጺሮም ሰዲደሙኒ።ካልኦት ከማይ ዝበሉ 50 ዝኾኑ ቅስና ድቁናን ዝተዉሃቦም ዝተፈላለዩ ምእመናን እዉን ወረቐቶም ተመንጢሎም። እቲ ናይ ድቁናን ቅስናን ወረቀት ድዮም ኣሕዲገሞም 

 

፡ብረሃነ/

እወ። ናይ ቅስናን ምስክር ወረቐቶምን። ብድሕሪኡ ጸኒሕና 1981 ብግዲ ናብ ግንባር ዝመቱ በሉና፡ ጥያቐ፦ 1975 ምስተታሓዝኩም ንክትዘምቱ ኣይተጠየቅኩምን/

 

 ብርሃነ፦ ይጥይቑና ነይሮም። ይኹን እምበር ግዴታ ኣይነበረን ብደርፊ ኪነት ገይሮም ይጉስጉሱና ነይሮም። ተኣከቡ እንዳበሉ የጻግሙልናይሰብኩና ተዘይኮይኖም ጽንኩር አስገዳይነትኣይነበረን። ግን ነገራት እንዳሓየሎም ምስመጸ የግድን ብግዲ ተጋደሉ በሉና።ንሕና ድማ /ንሕና ኣይነጋደልን።ንሱኹም ተጋደሉ ንሕና ክንስዕበኩም ኢና፡ ኢልና ምሳኹም ዉዕል ኣይኣተናን፡ተደሊኹም ክመቲ ዝጀመርኩሞ ባዕልትኹም ተጋደሉ፤ ንሕና ዉዕል ወይ ግዴታ ኣይተዋዓዓልናን። ንሕና ድኻታት ኢና፡ ገና ቁራስ እንጀራ እኳስ ኣይመነነናን።/ ምስበልናዮም፡ //መን ዓጽሙ ኣጎልዒሙን ደሙ አፍሲሱን ከንብረካ ደሊኻ// ኢሎም ብሕልፊ ቢሆን/ቢሄን ዝብልዎ ተጋዳላይ //ሓመድ ካብ ባይታ ቆንጢሩ አብ ኢዱዓኺቱ ናብ አፍንጫና ኣሽትትዎ እንዳበለ ኣፈራራሓና። ንሕና ድማ፤ ዋእ/እሞ እንተዳኣ ኣብ ዓድና ክንነብር ዘይንኽእል እሞ ክንነብር ዘይተፈቕዱልና ኮይንኩም ናይ ይሕለፍ ወረቐት ሃቡና እሞ ክንስደድ በልናዮም። ኣይዋሃበካን/እንዳበሉ የባሳጨዉናን የባሳብሱናን/የባጭዉልናን ጀመሩ። ዋእ/ እሞ ናበይ ዳኣ ክንከድ/ እንተበልናዮም፡ ናይ ባዕልኹም ጉዳይ/ዉራይና ኣይኮነን፡ ተደሊኹምተጋዲልኩም ሃገርኩም ነጻ ኣዉጽኡ፤ ኣይንጋደልን ተይልኩም ድማ እዛ መሬት እዚኣ ኣይትረግጹዋን።/ በሉና። ዋእ/ ካመን ኢና ናጻ እነዉጻኣ/ ደርጊ ኢትዮጵያዊ ንሰኹም እዉን ኢትዮጵአዊያን ኢኹም/ ምስበልናዮም፡ // ንስኻትኩም ሰበብ አለኩም፡/ነገር ኣለኩም/ ኢሎም ምእሳርን ምቕጻዕን ጀመሩና። ፡ክንደይ ትኾኑ

 

 ብርሃነ

1500 ንኾን

 ብድሕሪኡኸ እንታይ ገበርኹም፤/

 

 ብርሃነ፦

ብድሕሪኡ ንወለደይ አሰሩዎም። ግራዉትኹም/መሬትኩም ካብ ሎሚ ንንየዉ ብገድሊ ተወሪሱ እዩ በሉና። ቀንዲ ፋሓርቲን መጓሃሃርቲ ነገር ንስኹም ኢኹም ኢሎም አብ ልዕሊ ዉሱናት ሰባት ከቢድ ቅጽዓት ተፈጸመና። ካብ 6 ወርሒ ክሳብ ሓደ 1 ዓመት እንዳተቐጥቀጥና ብኩፉእ ብስቅያት ተኣሲርና።ገሊኦም ብጅማት ዝመስል መእሰሪ ኣትሪሮም ንነዊሕ ጊዜ ቀይዶም ስለዝቖርነዩዎም ኣእዳዎም ሓቢጡ፤በሲሉ፤ ብጽፍሮም ብኣጻብዕቶም ደም ጠብጠብ ይብል ነይሩ። ብጅማት ተኣሲሮም ኣእዳዎም ደም ዘንጠብጥብ ዝነበረ መታኣስርትኻ አስማቶም ትዝክሮም

 

ብርሃነ፦ አስማቶም ሕዚ ኣይዝክሮምን። እቲ ሓደ ሰለዳም ዝባሃል ቀበሌ እዩ ዝነብር ነይሩ።እቲ ካሊእ ድማ ማሓዛይ እዩ ብመግረፍቲ ሓደ ኢዱን ሓንቲ ኢዱን ሽባ ኮይኑ። ሓደ እግሩን ሓደ ኢዱን ሰሊሉ። ማሓዛይ እዩ። ሃለቃ ሓዲሽ ይባሃል። በቲ ጊዜ እቲ በዓለ ህማማት ስለዝነበረ፤ ካህናት ካብ ቅዳሴ ካብጸሎት ካብ ቤተ ክርስትያን እንዳተጎተቱ ይእሰሩ ነይሮም። ዓዲ ዝዋዓሉ ተዘይኮይኖም እያኣይ ዝበለ እንዳታሓፈሰ ተወሲዱ እዩ። ንምህዳም ዝፈተነ እዉን ከም ቆቋሕ ብጥይት እንዳሃደኑ እንዳጓየዩ ዳሩ ኣርእየሞ እዮም።

 

እዚዅሉዝኸዉንዘሎ ማዓዝ እዩ፡

 

 ብርሃነ፦ የካቲት ወርሒ 1981 / ጥያቐ፦ትግራይ ናጻ ምስወጸት ማለት ድዩ ብርሃነ፦እወ።በቲ ጊዜ እቲ ሰብ ከም አራዊት እዩ ዝሀደንነይሩ።አብዝኾነ ከባቢብቀትሪ ሰብ ዝባሃልዝር ኣይብልን፡ንዓይንኻ ኣይትርኢይን።ትሰብ ተዳሂሉ እዩ። ንሶም እዉን ነቲ ሰብ ከም ኣራዊት እንዳሃደኑ እዮም ዝዉዕሉ።ግራዉትና ንተጋደልቲ ህወሓት ዓዲለሞ፤ንሕና እንበልዖ እንስትዮ ሲኢንና እትጣዓም ቁራስ ጸጊሙና። ናቶም መቃባበልቲ ሓብሎቕቶም ካድረታቶም። እንተዳአ ሪኤሙና ከም ኣራዊት ጥይትና ናብ ጥቓና የትኩሱልና።ኣብጥቓና ኣብልዕሌናዝትኩስዎ ዝነበሩ ጠያይት ኣብዝባንና ኣይዓለበን እመበር ቁጽሪ የብሉን።ብድሕሪኡ አንዳጠመናን እንዳተሳቐናን ከርተት ምስበልና፡ ህዳር 21/1983 / ገረዳ ኣብዝባሃል ቀበሌ ማሕበር ንአቶ በርሄ እኽሊ ክንሽከመሎም ዉዒልና፤ አብ ገዛ ኣቲና ማኣዲ ተቐሪቡ እኽሊ ክንበልእ ከቢብና እንዳሃለና እቲ ገዛ መንነቶም ዘይንፈልጦም ዑጡቋት ተኸቢቡ። ንዉሽጢ አትዮም ናዓይ ጸዉዑኒ እሞ ናዓዉጻእ በሉኒ። ዋእዐረ በእንተ ማርያም እኽሊ እኳ አፉ ኣልክፉዎ፡ጥራሕ ከብዱክሽቅል ዉዒሉስ እኽሊ እኳ በይዛኻትኩም ይልከፍ እሞ ትወስዱዎ እንትበሉ እቶም ባዓል ገዛ ለመኑዋቶም። ዳሓን ህዚ ክምለስ እዩ፡ ንህቶ ኢና አንወስዶ ዘለና በሉዎም።ወሰዱኒ።ካልኦትእዉን በብኸባቢኡ ዝኣከቡዎም ሓወሱና።5ንኸዉን።ኩላትና ድማ ኣኼባ እንትገብሩልና ብግልጺ ንካራኸሮም ዝነበርና ገባራት ድያቆናት ኢና።ኣኻኺቦም እንትወስዱና እዚኦም ነቲ መንእሰይ ሕማቕ ትምህርቲ ስለ ዝመርሑዎ ካብደርጊ ፈሊና ኣይንሪኦምን፡ተዘይጠፊኦም ኣየስሩናን። ኢሎም ከምቶም ብዙሓት መንእሰያት ቅድሚ ሕዚ ዘጥፍኡዎም ንዓና እዉን ከጥፍኡና እዮም እንዳበልና ንንሕድሕድና ሕሹኽ/ሹኽ በልና። ናበይ እዮም ዝወስዱኹም ዘለዉብርሃነ፦ ናብ ዱር። ንሕና ኣይንፈልጥን። እንታይ ይሓይሸ በልና ሕድሕድና። ሞት ንሞቱ ኣብዚ ንሙት አንዳተባሃሃልና ጉዕዞ ኣምራሕና።ኩላትና ብሓባር ተዳሊዮም እንዳኾብኮቡና አንዳሃለዉ፡

አይተወደአን……….ክቕጽል እዩ።