Monday, April 7, 2008

Amora




አሞራ

ደራሲ ግደይ ባሕሪሹም


አዚ መደብ አዚ “ማህደር ገበን ወየንቲ” ብዝበል ካብቶም ዘዳልዎም ዝተፋላለዩ መደባት ሓደ መደብ እዩ። ንአቶ ግደይ ባሕሪሹም ብአካል አቕሪበ ቃለ ምልልስ ክሳብ ዘቕርበለኩም፤ “አሞራ” ብዝበል ብኣምሓረኛ ብ1985 ዝጸሓፉዎ አንቢበካ ዘይምኖ መጽሓፎም ኣብ ገጽ፤-207፡209 ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ተጋሩ ንክትሰምዖ ዘስካህክሕ ናይ ወየነ ትግራይ ጭካነዊ ግብሪ ዝሰነዱዎ ከቕሩበለኩም እየ።

ደራሲን ገጣሚን ኣቶ ግደይ ባሕሪሹም ትግራዋይ እዮም። አቶ ግደይ መስራታይን ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ጠራናፊትን ኢድዩን ዝነበሩ ኢዮም። አቶ ግደይ ዝጸሓፉዎ “ኣሞራ” ዝብል መጽሓፍ ኣብ መዋዕል ታሪኾምን ፡ ኣብ ጊዜ ገድሎም ዘሕለፉዎ ፤ጸበባን ገድላዊ ህይወትን ከምኡዉን ናይ ህዝባዊ ሓርነት ትግራይ እንታይነት፤ ኣብ ልዕሊ ህዘቢ ትግራይ ዝፈጸመቶ ሰብኣዊ ግህሰትን ፡ ብሰፊሑ ዘረድእ ደጋጊመካ ኣንቢብካዮ መሊስካ ንክትምለሶ ዘብህግ ታሪኽ እዩ።

እዚ ካብ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ዝመለስኩዎ ትርጉም አብ ገጽ 207 ክሳብ 209 ዝተዘርዘረ ናይ ወየንቲ ጭካነ ሰነባህረ ምስተነበበ፤ ካብ ከምቲ ዝበለ ሰብኣዊ ሕልና ዘይተላበስ ግበሪ ወየንቲ፤ አቲ ዝስዕቦም ዘሎ ዝተዓሸወ መንእሰይ ሎሚ እኳ እነተዘይኮነነኖም ንሓዋሩ ቀስ ብቐስ ከምዝኹኑኖም ኣይንጣራጠርን። ከምኡ’ዉን አብ መራኸቢ ሓበሬታን ኣብ አደባባይን ጠራዕ ኢሉ (ዓዉ ኢሉ -ተጠሊዑ) ብዛዕባ ናይ ህዘቢ ትግራይ ተሓላቕነትን ሰብኣዊነትን ብዘይ “ተሓህት” ካሊእ ሰብኣዊ ዉድብ የለን ኢሉ “እንትፍስፈስ” ፡ ኢቲ ሂተለራዊ በጋሚዶ ባህረቱ ንዝፈልጡ ግን ፤ ገበኑ ንምሽፋን ዝገብሮ ዘሎ ጓዕጻጽ መኸወልታ ሙኻኑ ብሩህ እዩ።

እቶም የዋሃን ግና ከጣቑዑሉ ንርእዮም፤ አዚ ድማ ዘገረም ክኸዉን የብሉን። ስለምንታይ፤ ክሳ ብ ሎሚ ብጋህዲ ገበናት ወያነ ትግራይ ንህዘቢ ምዝረጋሕ ባኣብዝሓ አይተጀመረን። ታሪኽ ግን ዉዒሉ ሓዲሩ ከርተት እንዳበለ ንዘልኣለም መቦሮኺ እነተይረኸበ ስለዘይነብር እቲ ዝተሸፈነ ገበን ክንበብ እዩ። ሽዑ ሓቂን ሑሶትን ጎፍ ንጎፍ ክፋጠጣ እየን። ንኣንጭዋ ከም ድሙ ዝሕይላ የለን፤ ንዓመጽ ድማ ከም ሓቂ ዝሕይላ የለን። ሰናይ ንባብ!

ኣሞራ ገጽ 207- 209
ካብ ግደይ ባሕሪሹም -
< ናይ ኢድህ ማለት ናይ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ ሕብረት ደጋፋይ ኢኻ ፡ ወድኻ ወይ ሓዉካ ናይ ኢድሕ ኢዩ ተባሂሉ ይታሓዝ’ሞ፡ ናብ ባዶ ሽድሽተ ቤት ማእሰርቲ ይዉሰድ። ኣብኡ ምስበጽሐ ዘለዎ ንብረትን መጠንን፤ ብዝሕን ኣበይ ከምዘሎን ይጥየቕ። ንዝቐረበሉ ጥያቐ መልሲ ሂቡ ምስወደአ፡ ንቑሩብ መዓለቲ አዚ ዘይባሃል ጡዑም ብልዒ እነዳተቐለበ ኣብ ካልኣይ ሳልሳይ መዓልቱ ምስ ከምኡ ዝበለ እሱር እንዳታሓጋገዘ እንተዋሓደ ክልተ ሜትሮ ዑምቀት ዘለዎ ጉድጓድ ንክኹዕት ይእዘዝ።ብስፍሓቱ ኮነ ብዓይነቱ መቓብር ሰብ እዩ ዝመስል ከም ጉድጓድ ጽብብ ኢሉ እንዳተኹዓተ እቲ ዝተፍሓረ ሓመድ ኣብቲ ኣፍ ጉድጋድ ከባቢ ወሰን ወሰኑ ዙርያ ምላሽ ይኹመር። አቲ ኡሱር ብደዉ ዝቕበረሉ ናይ ደዋደዉ መቓብሩ ፍሒሩ እንተብቅዕ፡ ካበቲ ጉድጓድ ይወጽእ። ብድሕሪኡ ብገመድ ኢዱን እግሩን ተኣሲሩ ናብታ ዝፋሓራ ጉድጓድ “ኣለም በቃኝ” ይመልሱዎ። ወየንቲ ኡሱር ቅደሚ ሞቱ እንዳተሳቐየ ምርኣይ ብጣዕሚ እዩ ዘርዉዮም፡- ባህ ይብሎም - ይፍስሁ። ቀለጢፉ ንከይሞት እዉን “ሽርማም ቅጫን - ጽንቃቕ ማይን” ብመገለል ዝመስል መትሓዚ ብገመድ ሰዲዶም የቐብሉዎ። ሽንቲ ማይ ኮነ - ቀልቀል ዝናፈሰላ -ኣብታ ዉሽጢ ጉድጓድ እዩ። ሓንሳብ ናብታ ዝዃዓታ ጉድጓድ ምስተደርበየ ፡ምስኣተወ- ብምንም ታኣምር ተመሊስካ ምዉጻእ የላን። እቲ ኡሱር ኣብታ ጸባብ ጉድጓድ ዉሽጢ እግሩ ምዝርጋሕ ወይ ብጎኒ ምድቃስ ኣይኽእልን። ክገብሮ ዝኽእል ተኾርሚኻ ኮፍ ምባል ጥራሕ እዩ። ኩርምይ ኢሉ፤ ቀትሪ ብጻሓይ ሃሩርን ለይቲ ብቁራም አሳሒታ፤ ብሁቦ እነዳተሳቐየ ፤- ዝተወለደላ መዓልቲን ሃገርን ዝተወለደሉ ዘርኢን እንዳረገመ፤- አቲ ዘሰክሕ ከይዲ ሞት ቅድሚ ሙማቱ ግና እቶም ኣብቲ ጉድጓድ መሬትን ኣብቲ ኣካላቱን ዝፍጠሩ ሓሳኹ መርዛማት ስለዘይኮኑ ዓይጓድኡን፤ ቀለጢፎም ኣይቀትሉዎን። ቆርበቱ ሰርሲሮም፤ ሥጋኡ በሊዖም ዓዕጽሙ ጎጥጚጦም ምፍርካሽ እንትጅምሩዎ፡ አቲ አሱር ኣብ መወዳእታ ብኣፉን ብኣፍንጭኡን ከምኡዉን ብዓይኑን ሓሰኻ ድድቛታት ፎሎቕሎቕ ይብሉሞ መሰክሕ ብዝኾነ መርገም ህይወቱ ምስሓለፈት፤- ካበዚ መርገምቲ ትርኢት ጭጉርጉር ዘይብሎም ወየንቲ አብቲ ኣፍ ጉድጋድ ዝተኾመረ ሓመድ “ድፍን ድፍን” ኣቢሎም ኢዱን እግሩን ታአሲሩ ብኹርምዩ አብኡ ይቕበር። እሞ’ሲ ካብ ኮም’ዚ ዝበለ መስገልገላይ ሞት፤ አብ ማዕከል ሜዳ አብ ማዕኸል ጸምጸም በረኻ ፤እንተይታአሰረ ማይን እኽልን ብምስኣን፤ ህይወቱ እንዳሃለወት ዓቕሚ ስኢኑ ዓይኑ እንዳራኣየ “ኣሞራ” ዓይኑ እንትምንጥሎ፤ ዓርሱ ምክልካል ምስ’ስኣነ፤ ህይወቱ እነዳተጋዓረት ፡ ስጋኡ ብኣሞራ እነዳተተኹቶኸ ተባዛጊሉ ተማናጢሉ ህይወቱ ዝሓለፈ_፤ ምስ ሻዕቢያ ግፍዒ ካብዝፈጸመሉ ሙሩኽ ሰራዊት ደርጊን ፡ - አየናይ ኮን ይሓይሽ? ኢልና እንተጠየቕና ንዘስካሕክሕ ዝተፋላለየ ስቅያት ሞት ምምርማር ካብ “ናዚ ዉጥጥ ኢሎም፤ብጭካነ ልዕል ኢሎም” ዝተረኽቡ ወየንቲን ሻዕቢያን ፤- ሰብ ንሰብ ካብ ሕማሙ ንክፍወስ ምርምር ዘካይዱ ጥበብ አብዝተስፋሕፋሓሉ ዘበን እንትንዕዘብ፤- ናይ ሻዕቢያን ወያነን ናይ ጭካነ-ተፋላሰፍቲን ተማራመርቲን፤ ደቂ ኣኮን ደቂ ሓትኖን ግን ኣብ ታሪኽ ንትዉልዲ ዘሕፍር ዘኹንን ግብሮም አብ ልዕሊ ወገን ዝፈጸሙዎ እንትናጻጸር፤ አሸጋርን መስካሕክሒ ጨካን ኣቃታትላኦም ክልቲኦም ወያነን ሻዓብያን ኣይባላለጹን ፤ኣይሳኾኑን፤- ኢለካ ጥራሕ አዩ ምሕላፍ ዝካኣል። ብሂይወቶም እንዳሃለዉ ኣብ ዉሸጢ ጉድጓድ አትዮም እነዳተሳቐዩ ንክሞቱ ዝፍረዶም ተጋሩ ፤ ብመትከሎም ዘይኣምንን ኣብጥርጣረ ዝኣቱን ኤዩ። ብከመዚ ዝበል አቃታትላ ተፈሪዱዎም ዝሞቱ አኒ ሃበተ ገብረተንሳይ፤ ተኽላይ ገብረመስቀል ወይዘሮ ወርቂ ምንጭራን አቶ አታክልቲ ሥዩም (አብ ከተማ ሸራሮ ራፖል ጸሓፊ ዝነበረ ወዲ ራዕሲ ሥዩም)” ዝመሳሰሉ ተጋሩ ይርከቡዎም። ኣብ እግረ-መንገድና ምናልባሽ አታኽልቲ ሥዩም መን ሙኻኑ ዘይትፈለጡ እንተዳሃሊኹም፤ ሓወይ አይኮንካን ኣቦይ እዉን ኣይተዛረቡንን፤ ኢሎም ሕዉነቶም ዝካሓዱዎ ፡ ኣብ ኣዉራጃ ሽረ ኣብ ሰየምት ኣብ ዉሽጢ ኣድያቦ ዝነብር ዝነበረ እዩ። ትዉልዲ ዕብየት ወላዲቱ አብ መደባይ ታብርን ኣብ ሠመማን እየን። ኣዲኡ ካብቶም ብናይ ቀደም ኣጻዋዋዓ “ጸለምቲ” (ባሮት) ታበሂሎም ተናዒቆም ዝጽረፉ ዝነበሩ ስደራቤታት ወረጃ ወይዘሮ እየን። ንሰን እዉን ብክብሪ በቲ ዝነበረ ባህላዊ መስፈናዊ ሥርዓት መሰረት ታሓዛይ ጽላል ገይረን ፤ አሕሽኪረን ፤ ብስናር በቕሊ ዝኸዳ፤ ክሳብ ጊዜ እርጋነን ብክብረት ተኸቢረን ዝነብራ ነበራ ዓባይ ወላዲት እየን።>>
ግደይ ባሕሪሹም (አሞራዉ ካብ ዝብል መጽሓፎም)
ትርጉም
ጌታቸዉ ረዳ
ሳን ሆዘ - ካሊፎርኒያ