Friday, March 14, 2008

Meles Zenawi & the Publlic

(PLEASE READ WITH GEEZ UNICODE) ኣያ ተሰማ ኣበ’ለኻ? (ዋዕላ ወዲ ዜናዊ- ሽረ እንዳስላሰ) ለካቲት 14/2000 ዓም ኣንበብቲና ሰላመታና ይብጻሕኩም። govtflag ለንቅነ- ቅነ ለካቲት 11 እዩ። ከምቲ ኩላትና ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝሰማዕናዮ፤ ዉድብ ህወሓት መበል 33 ዓመት ዝኽረት ዉልደቱ ለካቲት 11-2000 ዓም ሀገራዊ መንበረ መንግስትነት አብ ቁጽጽር ቀልጽሙ ካብዝዕትዕት ንነዘ፤ ንመጀመርታ ግዘ አብ ኣዉራጃ ሽረ ኣብ በረኻ ደደቢት ኣብዒሉዎ ነይሩ። ቀጺሉ’ዉን ካብቶም ነቲ ባዓል ከጸምብሉ ዝተትሓዘሎም መደባት ሓደ፤ ህዝቢ ኣኪብካ ምዝትታይ ዝበል መደብ ነይሩዎ። ካብቶም ሀዘባዊ ዘተ ዝተኻየደሎም ክተማታት ሓዲኦም ኣብ ሸረ አብ ከተማ- እንዳሰላሰ ብወዲ-ዜናዊ መሪሕ ዝተገንሐ ዘተ “መልሲን ኣለሻ-መልሲን” ተኻይዱ። ኣበቲ ዘተ ዘቕረቡዎም ዝተፋላለዩ ኣለሽቲ መልሲ ዝጠውቱ (ዝተረሩ) ፖለቲካዊ ሕቶታት ሒዞም ብሕራነ (ብደፍረት) ንውዲ-ዜናዊ ከሓቱዎ በሀርያት ናይ’ቲ ዉድብ ወስ ከምዘየብል ጉሁድ ስለዘኾነ፤ ‘ቶም ዝቐረቡ ሕቶታት፤ለማሻትን/ላንግላንጋን፤ ዝተጸበናዮምን ‘ዮም ነይሮም። ሓደ ሓታታይ ዘቕረባ ሓንቲ -2- ጥያቐ ግና አቓልቦና ዝሰሓበት ነይራ። ንሎሚ መዛራረቢትና ንኩትኮነናዉን መሪፅናያ ኣለና። ንሳዉን ብጥቕልልታ (ብሓጺር ኣቃራርባ) እዛ ‘ትስዕብ ሕቶ እያ። “ኣይተ መለስ ካብ መንበረ ስለጣኖም ወይ ኣብዛ ሀገር እንተዘይሃሊዮም ብተፈጠሮ፤እንተስ ብግዛዕ/ብገለ ምኽኒያታት ተኣሊዮም/ኣልጊሶም፤ ኣብቲ ዉድብ ኮነ ኣብታ ሃገር ሓደጋታት ከህሉ እዩ። ኣነ’ዉን ይኣምነሉ’የ፤ የሰጋኣኒ’ዩ። እዚ ኣባሃህላ’ዚ ሓቅነቱ ክንደየናይ እዩ?”> እያ’ታ ብሓፂሩ ክንትንትና ከለና ‘ታ ንመለስ ዜናዊ ካብ ሓደ ደጋፊኡ ዝቐረበትሉ ኣለሻ መልሲ። ንሱ እንትመልሳ ብሓጺሩ ብከምዚ’ ተድመፅ፦ <ኣነ ምሰለገስኩ ጸገም ኣይፍጠርን።ገረማርያም መጸ፤ወለማረያም ተተከአ፤ ተጋደለቲ ይኹኑ መራሕቲ ወሰንቲ ኣይኮኑን።ናይዚ ዉድብ’ዚ ሓይሊ ሰብ ኣይኮነን።መስመር’ዩ! መራሐቲ ወይ ዉልቀሰባት ብገለ ኣጋጣሚታት ካበቲ ዉድብ እንድሕር አልጊሶም ልክዕ ከም “ኣብ ዓዲ እንተሎ ዝወግሖ ዝብኢ” ኰይንና ዝስማዓና ሰባት ኣለና። ኣነ ሃለኹ-ኣይሃለኹ፤ተሰማ ሃለወ ኣይሃለወ፤ ኣይልዉጦን፤፡ ኣነ ኰነኩ፤ ስበሓት፤ ቴደሮስ፤ ጸጋይ ወይ-ድማ ስዩም ዋሕሰኩም ኣይኮንናን። ዋሕሰኩም ነቲ ዉድበ ከንብሮን ከጥፎኦን ዝኽእል መስመሩ እዩ። ናይቲ ዉድብ ሂይወት በቀጻላይ ክህሉ ወሳናይን ዋሕስኩምን ‘ቲ መንእሰይ እዩ! ።ኣነ ወይ ናይ ተሰማ ምንባር ዝይመነባር ኣይዉስኖን። ዝዉስኖን፤ ቀጻልነቱ ክህሉ እንተዳኣ ተደልዩ፤ ኢቲ መሰመር’ዩ። ሃለዋቱ መሰመር ድማ ‘ቲ ሕዚ ኣበየ ገጠራት ብሰፊሑ ብብዝሒ ተዳራጂዉ ዘሎ መንእሰይ እዩ። እዚ ቃልሲ’ዚ ንድሕሪት ኣይብል፤ ንጎኒ ኣይብል፤ ንቕድሚት ኣይብል! ንሕና ተረፋት ኢና! ወድብና ሙሩጻት ተጋደልቲ ቀቢሩ እዩ።ተሰማ ዘይዋዓሎ ዉግእ፤ ተሰማ ዘይራኣዮም ሙሩፃት ተጋደልቲ የለዉን፡ ኩሎም ርኢዎም’ዩ። ኰይኑ ግና ቲ ዉደብ ኣብ መስመሩ’ሎ….”> ምስበለ፤ ተጋደልቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኮይኖም ካብ ጊሓቱ ጀሚሮም ክሳብ’ቲ ብረታዊ ገድሊ ዝዛዘም ዝነብሩ ኣብ ዓበየቲ ዉዕሎ ኲናት/ዉግእ ዝዋዓሉ ነባር ተጋዳላይ ዘመድ ሓሎም ኣራኣያ (ሓዱሽ ኣራኣያ) ዘኾኑ ኣቶ ተሰማ፡ ኣብ መስመረካ ረጊጽካ ምጽናሕ ክንደየናይ ዘርሁዉ ሙዃኑን ፤ መስመር ዉድብ ወያነ ዘይጋላበጥ ሙኻኑን፤ ዋላ’ዉን ዉለቀሰባት ኣብ ጽነኩር ጊዜታት ብመሰዋእቲን ብጥለመት/ምስላምን ብዝተፋላለዩ ምኸንያታት ካበቲ ዉድብነ መስመርን እነተተፈለዩዎን እቲ መስመር ከምዘይተቐየረን፤ ሽቱኡ ከመዝወቕዔ ንመስክርነት <<ኣያ ተሰማ ኣለኻዶ፤ ብርክኻ’ ዳኣ ነቕነቕ ይብላለዋ’መበር…… ክዛረብየ ይብል’ሎ’ሞ ማይከሮፎን ሃቡዎ!>> እንትበል መለስ ዜናዊ -3- ን ወዲ 73 ትዉልዲ ዓመቶም ተጋዳላይ ኣያ ተሰማ ብዛዕባ ዘይጋላበጥ’ ዘይልወጥ ዝፈልጡዎ ተሞኩሮ መሰምር ወያነ ትግራይ፡ ነቲ ሓዱሽ ወለዶ ትግራዋይ ተሞኩሮኦም ተሲኦም ንኣዄበኛ ንክገለጹ ዓደሞም። ኩላህና ከመቲ ዝተዓዘብናዮ መስመር ወያነ ከም-ነፋሒቶ ዓሰረተ ዓይነት መትከል/መስመሩ ከምዝቐየረ ንፈልጥ። ኢዮጵያዊነት ዝጠለመ መትከል ወያነ ኣብ ሓደ መርገጽ ዝተጛዓዘላ መሰመር እንተሃልያ ሓንቲን፤ ንሳዉን ሀገር ብመትከል -3- “ጎጣይነት” ጎዛዚኻ ናይ ምብታን መሰመር እያ። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ መለስ ኮነ፤ስበሓት ነጋ -፤ መስመር ወያነ ኮነ መንበረ- ስለጣን መንግስትነቶም ተፃባኣይ እንተዳኣ ተጓኒፉዎ <ነናብ ድርኩዅትና ከንባታተን ኢና!> ከምዝበሉ ንህዘቢ ኢትዮጵያ ከምዘሳናብዱዎ ዝዝከር ኢዩ (ብሕለፊ ድማ ስብሓት ነጋ!!)። ድሕሪ ስልጣን ምዕትዓት’ዉን በሕሶት፤ ብኣሉቐጣን ኣብ መስመር ምጽናዕ ስብከቶም ከምኡ’ዉን ታ ጥልመት መሰመሮም ሕዚ’ዉን ህያዉ ከምዘላ ኣብ መስመራ ኣላ (ኣከቲቭ -እያ ዘላ )።ይጃሃሩላ’ዉን አለዉ። ምሕሳዉን ምድንጋራትን ዐልየት-ንዓልየት ምግርጫዉን ከም መሳርሒኦምን መሳለጢ ናብቲ ክሳብ ሕዚ በጺሔሞ ዘለዉ ጎደና ዘብጸሖም ሙኻኑ እነፈልጦ ባህረታቶም ዋላ’ኴ እንተኾነ’ዉን ፤ ሃገራዊ ረብሓ ንዉልቀ ረብሓኦም እንተሰተሉሙዎ ግና ስኽ ኢልና እንዳተላኣምና ክንጽመሞም ምግባር ወሰኽ በደል ‘ዩሞ - ኢትዮጵያዊነት እንዳተዓንገለ ዝዓበየ ሕልናና ስኽ እሉ ክፈቕደሎም ኣይግባእን ንብል። ጥልመት ማለት ‘ቲ ዝነበረ ታሪኽ ኣየነበረን፣ ‘ቲ ዘተመዝገበን ዝተገብረ’ዉን፡ኣይተገብረን፣ ኢልካ ብኣሉ-ቐጣን ምጽናዕ ማለት እዩ። ክሕደት- ዓርሰ ጎንፂ እዩ። እንግሊዛዉያን’ቲ “ደናያል” ዝበሉዎ ዓይነት ማለት’ዩ። ካብ ጊሓቱ - ወዲ ዜናዊን ስብሓት ነጋን፣ ሕዘቢ ትግራይ ኣዳናጊሮም -ንዉልቀ ረብሓኦምን ኤርተራዊ መስመሮምን እንትብሉ፤ እንተይሓመሙ ሓሚምናልካ እንዳበሉ ፤ ህዝቢ እንትትክዝን እንትቑዝምን እንዳቖዘሙ፤ ገባር እንቲ’ስተንትን ፤እንዳስተንተኑ። ዘይነበረ ሓዱሽ ባንዴራን መሰመርን ግን ብሓጛ እነዳልሓጉ ብምሰትምሃር፤ “እያአይ!” ንዝበለ ድማ ብቐልጢን ብምፍርራህን ንብረቱን ደቁን ብምህጋር፣ ዓላማ ቀጠፈቲ ሽቱኡ -4- ከወቅዕ ኢሉዎ ከም አጋጣሚ ደርጊ’ዉን ነቲ ሀዝቢ “ከብዲ-ምንሸሮ/ዒፍ-ሽዋ” ኰይኑዎ (ስለዘጸገመሉ)፣ ታ ዝነበረቶ መማረጺት ሓንቲን ንሳን ንበርኻ ምዉያን ስለዝነበረት፡ ህዘቢ ብብዝሒ ምስወየነ፤በጻብዕቲ ዝቑጸሩ መራሕቲ ወያነ ዘይተጸበዩዎ ሙጆ ወሪዱሎም ከምዝኸሰቡሉን እቲ ዉድብ ከምዝጨወዩዎን፤ነቲ ብጸገምን በፍትሒ ምስዓንን፣ ከም ዉቃዕ በለስ ዘይሓዊ በሰላ ዘጥረየ ህዘቢ ትገራይ’ዉን ንነዊሕ ጊዜ ክሳብ ‘ዛሎሚ ንዛራረበላ ዕለት ነግ ፈረግ ከምዘይብል “ጅሆ” (ሆስተጅ) ከምዝሓዙዎ ንፈልጥ። ክሕደትን ታሪኽ ባንዳታትን ብህዘቢ ትግራይ ተቐባሊነት ክረክብ’ዉ’ን ኢሎም፤ ብኣዕራብ ዝተስብኩ ዑሱባት ኤርትራዉያን ዝሓንጸጹዎ መስመር ባንዳታት ብህዝቢ ትግራይ ቁቡልነት ከህሉዎ ብዙሕ ጻዕሪ ከምዝገብሩ ካብ ኣንደበቶም ተዳጋጊሙ ከምዝተዘርበ ዘይካሓድን እንተይሓነኹ’ዉን ዝተጃሃሩሉ እዩ። እቲ ዝደምም ድማ በስም “ወያናይ-ዲሞከራሲ” (ሪቮሊሽናሪ ዲሞከራሲ) መስመር፤ ንኤርትራዉያን ኣሻሪዮም ንሃገሮም ንኢትዮጵያ ዝኻሓዱሉ’ቲ ቀዳማይ ናይ ጥልመት መስመሮም’ዉን “ዘይጥለም መትከልና” እንትበሉ ንሰገናት ትግራይ ክስበኩ ምርኣይና ባንዳዊ መትከሎም መዕገቲኡ ኣበይ ከምዝኸዉን ገሪሙና’ሎ። መናእሰይ ትግራይ መስመረኩም ኣትዒትኩም ኣጽኒዕኩም ሓዙ እንትብል መለስ ዜናዊ ኣብ ሸረ-እነዳስላሰ ዝመለሶ ምላሽ’ዉን -እቲ ወዲ ዜናዊን ስበሓት ነጋን ወገሐ-ጸብሐ ዝሕለቑሉ ዘለዉ “ዕኽኽ” ዘበለና ሀዘቢ <ዓኽ’ እነቱፍ> ዘበሎ ጉዳይ ኤርትራኦም’ እዩ! ካልእ ዘይራኣናዮን ዘይተሰብከን መስመር ወያነ ኣይህሉን።ከህሉዉን ኣይኽእልን። ብዘተረፈ ጊዜ እነትልወጥ መስመር ምምዕርራይ ናይ ግድን እንዳሃለወ፤ ፖለቲካ እንትልወጥ፤ኣታሓሳስባ ዓለምን ዉሽጣዊ ማሕበረሰብና እንዳተቐየረ ንሓድነትን ዉህደትን እንትጠልብ፤ መስመር ወያነ ግና ካበታ መስመሩ ነቕ ከይብል ኢለካ ምስባኽ ፤ ካብ “ዴማጎጊ” {ዓጻቕነት} ሓሊፉ ደረት ዝሳሓተ ድነቁርና እዪ። እንትኾን’ድማ ሃገራዊ መኽሰብ ዝፃባእ መትከል ንክቕጽል ምፅዓር ! ኣንበብተይ ከትርዱኡዎ ዝደሊ ነገር- ንሕና ሀዘቢ ትግራይ ኰነ፤ተጋደለቲ ወያነ ትግራይ ከምተጻባኣይ ገይርና ኣይኮንናን እንርእዮ። እቲ ህዝቢ ን’ንባዓል ወዲ ዜናዊ ቀሪቡዎም ንዓና ዝርሕቀና ዘይተወለድናሉ ሩባን ህዘብን ኮይኑ ኣይኮነን። ነቲ ሓደ ቀሪቡ፤ ንሓደ ዝርሕቆ ምኸነያታት ጥር’ትበል ምኸኒት ሃሊዩ ኣይኮነን። ዘስተንትነና ጉዳይ ግና ህዘብና ብዘይግባእ ይጛስይዎ እነትንርኢ፤ የጉህየናን የሕዝነናን ስለዝኾን እዪ። ስለዝኾነ’ዉን ኢዚ ትንታነ’ዚ ኒመለስን ብመትከል/መሰመር መለስን ዝተጠመቑን/ዘቖሮቡን፤ ታሪኽ ሃገሮምን ታሪኽ ዮሃንስ -5- ኣሉላን ዝኻሓዱን ባሕሪ ወደባታትናን ህዘብናን ዝበታተኑዎን፤ዘቃያየሙን ዝመቐሉዎን፤ በሓዱሽ ወጠሪ ዉግእ ብኣሻሃት ወገናትና ክሃልቅ ዝገበሩ፤ ኣብ መሰመር ጥልመት ንዝተጉዓዙን፤ ንሓዋሩዉን በዚ ናይ መስመር ጥላመት ዚጛዓዙን’ዩ እቲ ቀንዲ ፖለቲካዊን ታሪኻዊን ማሕብራዊን መጎተናን ጠመተናን። ንምንታይ’ዩ መስመር ዉድብ ወያነ ትግራይ ብጥልመት ዝኽሰስ ዘሎ? ወያነ ዝኽሰሰሉ ፖለቲካዊ መሰምሩ ቆጺረካ ዝዉዳዕ ኣይኮነን። ወያነ ትግራይ ካብቲ መበገሲ ነይሩዎ ዝተበሃለ ህዝባዊ -5- መስመሩ ስሒቱ ንዉል-ቀሰባት መጥቀሚ ስልጣንን፤ መሳጋገሪ መስመር ኤርትራዉያን ኮይኑ ንከገልግልን ክድረትን <ዘተጨዉየ> ዉድብ ከመዘኾነ ኣነ ዘይኮነኩስ በዙሓት ተጋደልቲን ገለ ካብኦም’ዉን መራሕቲ/መሰረትቲ ወያነ ትግራይ ደጋጊሞም በጽሑፍ ዘመዝገቡዎን ዝመስከሩዎን ኩነት እዩ። ገና ብጊሓቱ ጎጣይ ዝኾነ ሓጛፍ ስብከት ጥራሕ ዘይኮነ ቃልሱ ኣሃዱ ኢሉ ንህዘቢ ዘመወሶ ፦ ነቲ ጎጣይ መሰመሩ መትረሪ ዝመረጾም ካብ መጸዉዒ ኣስማታቱ’ ጀሚሩ- ዱሩት ዘኾነ፤ንገደሊ ኤርትራን ንትግራይ ሓራ ጥራሕ ዝግደስን፤ ዘጠመተ ሙኻኑን ትርጉም ናይ’ቶም ፖሊሲታቱ ፤ኣርማታቱን ባንዴራኡን እቲ ዝስጉሞሉ ዘሎ ጋህጻጽ ጎደና ኣማዓዳዋይ /መመለከቲ ጥልመት እዪ። እቲ ከባቢያዊ መትከሉ ከምኡ ስለዝነበረ’ዉን እዪ ብ1982 ኣብ ሮማ ምስ ደርጊ ዘተገብረ ምይይጥ ወከልቲ ወያነ ነቲ ዝርርብ ዕንቅፋት ንምፍጣር ዝጸበጸቡዎን ብቀዳማይ ዘቕረቡዎ ነጥቢ <“ንሕና ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኣየእትወናን። ወደባት ባሕሪ ዪሰገጥ ኣይሰገጥ ዋኒንና ኣየኮነን። ምሳና ክትዛራረቡ እነተዳኣ ድለየት ኣልዪኩም ብዛዕባ ትግራይ ጥራሕ ንዛራረብ እምበር ብዛዕባ መጻኢት ዕድልኢትዮጵያ ክንዛራረብ ዱሉዋት ኣይኮንናን።” > ከምዝበሉ “ጦቢያ” ዝተበሃለ መጽሄት ኣብ {ቅጽ 8 ቁጽሪ 1 1992 <ለየትኛዉ መብት ነዉ የምንታገለዉ? ለወደብ አገለግሎት? ላአፋሮች ዉህደት? ለባሕር በር? ሐሰን ዑመር አብደላ}። ገሊጹዎ ከምዝነበረ ነዝክር። ንሓያለ ዓመታት ክሳብ ሎሚ ዝዘመረሉን፤ ዝዘተየሉን፤ ዝገጠመሉን፤ዘተላሃየሉን፤ዘተማጎተሉን ዘስቆርቁረሉን ዘስተንቱኖን፤ዘስተማስሎን መቐረታት ኩሉም፤ በዛዕባ ትግራይ እመበር ብዛዕባ ዉዕሎ ሓድነት እትዮጵያን ታሪኻን ባንዴራኣን፤ጸገማትን ኣይነበረን! ካብ’ቲ መስመር’ቲ ዘተበገሰ’ዉን’ዩ ሀዝቢ ዘይዘተየሉ ናቱ ናይ ዉድቡ ባንዴራ ናይ ህዘቢ ትግራይ ባንዴራ ኢሉ ብምትካል፤ ሃገርን ዓለምን ዝፈለጣን ዝሰቐላን ዘኽበራን ባንዴራ ኢትዮጵያ፤ እቲ ሓዲሽ ትግራዋይ መንእሰይ -6- ድሐሪ ጊዜ ንክፍንፍናን፤ ንከይፈልጣን ምእንታን፤ አብ ሜዳ እንተለዉ ባንዴራ ኢትዮጵያ እንዳውረዱ ባንዴራ ወያነ ትግራይ ይሰቕሉን ይዝምሩላን ከምዝነበሩ ካብ ተጋደልቶም ዝተዉሃበ ምሰክርነት ብራድዮ ድምፂ ወያነ ትግራይ <“ካብ ቃለሲ ማህደርና”> ኣብዝብል መደብ ዓሚ ዝተማሃለፈ ፍጻመታት ወያነ ትግራይ ክሳብ ከንደይ ንሃገራዊ ኣርማ ንዕቀት ከምዝነበሮ ንዝክር። ኣበቲ መደብ’ቲ ዝነበረ ዑዱም ጋሻ፤ ካብተን ሓንቲ ናይ ከራቢት ኣሃዱታት ኣብ ከባቢ ሽረ- እነዳስለሰ እትንቃሳቐስ ዘነበረት ኣባላ ዝነበረ ነባር ተጋዳለይ <ካሳ ጉግሳ> እንትዛረብ ከምዚ ይብል <….ዋላ ኣብ ከተማ’ዉን ኣቲና ባንዴራ ኢትዮጵያ ኣዉሪድና “ናይ ባዕልና” ሰቒልና ንወጽእ ነይርና።> ይብል። እዚን ወዲዚንዩ መለስ ዜናዊ መሰመርኩም ኣጽኒዕኩም ሃዙ ብመባል ንመናእሰይ ትግራይ ትመህርቲ ጥልመት ክሰብኽ መሬት ዝመስዮ ዘሎ። ብ ሩሱን “ባህረ- ተፊናይ ” ዝግናሕ ወያነ ትግራይ፤ አብቲ ከባቢ ዝቃለሱ ዘነበሩ ተጋሩን ካልኦት ዉድባትን ብተፊን ባሀርያቱ እንዳተዋገአ፤ ተጻባእተይ’ዮም ዝበሎም ግሒጡ ካበቲ ከባቢ ኮሰቲሩ ከምዘይንቃሳቐሱ መስገበሮም፤- ምስ ከምኡ ዝበሉ ታሪኽ ወለዲ ፤ታሪኽ ሃገሮም ዘማራስሑ ምስ ናይ ኤርትራ ተፊናት ወጊኑ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዉያንን መርገፅ ኢተዮጵያዊነት ዝሓዙን ዝሞጎቱዎ ተጋደለቲ ወያነ ትግራይ ገባራትን ከተመቶትን እንዳጨወየን፤ እንዳቐተለን፤ እንዳሳራጠየን፤ ገሊኦምዉን ካብቲ ዉድብ በግዲ እንተይፈተዉ ክስጎጉን አንፀርፂሮም ካ’ብቲ ገድሊ ንወጻእ ንክስደዱን ዘገበረ ጎደና ጥልመትን ዓብላላይ ባህርያቱ ብጎበዝ ኣድሪነት ዝምራሕ መስመር እመበር ዲሞከራሲአዊ ወይ ሕያዋይ/ሰብኣዊ መሰመር ከምዘየኮነ ዝተጋህደ እዩ። እቲ መስመር፤ ከመቲ ወዲ ዜናዊ ዝሰበኮ ሕሶት ዘይኮነስ፤ ቲ ዉድብ በዙሕ ጊዜታት መርገፁ ቀየሩ እዩ። እንተይ ቀየረኩ ኣብ መስመረይ ኣለኹ ዝብለና ዘሎ- ፤ ሓቁ እዩ እንብላ መሰመር እነተሃልያቶ፤ ሓንቲን-ንሳን-እታ እንፈልጣን እያ። ነሳዉ’ን ንሱን መሻሩዉቱን ከም - ብርሃን ዓይኖም - ነታ መርገጽ ኤርትራ ዝሕብሕቡዋ፤ ዘለዉ ዘይትቕየር <ፍቐሪ ኤርትራ> እያ። ብዝተረፈ ወያነ ከም ነፋሒቶ በዙሕ ጊዜ መሰመሩ ለዊጡ እዩ። ካብ ሪፓብሊክ ትግራይ (መጻኢት-ትግራይ) ናብ (መስመሩ ዘይነፀረ ለኽበጥበጥ ዘበለ ኢትዮጵያዊነት መርገፅ፡ ካብ “ኮሚኒሰት- ማለሊትነት”- ናብ -“ገፋፋይ- ርእሰማላዊነት” ካብ መርገፅ 100 ዓመት ታሪኽ ኢትዮጵያ (መዋእል ሃገረ ደቂቀ ምንልክ) - ናብ 3000 ዓመት ዉዳሰ ታሪኽ ኢትዮጵያ (በሃንደበት ኣብ እዋን ጭነቀት- አብ ዓዉደ-ዉግእ “ግምባር ባድመ” ዝተቐለቀለት -7- ዝተሳናበደት ሃንደበታዊት መልሓስ!!); ክንደይ ለኽበጥበጥን ገልበጥበጥን ዝበለ መስመር ወያነ ኢልና’ሞ ክንፀዮ?! ሰላም ንምነ! ጌታቸዉ ረዳ

Meles Zenawi and the Public in Shire Endasilasse

ኣበ’ለኻ? (ዋዕላ ወዲ ዜናዊ- ሽረ እንዳስላሰ) ለካቲት 14/2000 ዓም ኣንበብቲና ሰላመታና ይብጻሕኩም። ለንቅነ- ቅነ ለካቲት 11 እዩ። ከምቲ ኩላትና ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝሰማዕናዮ፤ ዉድብ ህወሓት መበል 33 ዓመት ዝኽረት ዉልደቱ ለካቲት 11-2000 ዓም ሀገራዊ መንበረ መንግስትነት አብ ቁጽጽር ቀልጽሙ ካብዝዕትዕት ንነዘ፤ ንመጀመርታ ግዘ አብ ኣዉራጃ ሽረ ኣብ በረኻ ደደቢት ኣብዒሉዎ ነይሩ። ቀጺሉ’ዉን ካብቶም ነቲ ባዓል ከጸምብሉ ዝተትሓዘሎም መደባት ሓደ፤ ህዝቢ ኣኪብካ ምዝትታይ ዝበል መደብ ነይሩዎ። ካብቶም ሀዘባዊ ዘተ ዝተኻየደሎም ክተማታት ሓዲኦም ኣብ ሸረ አብ ከተማ- እንዳሰላሰ ብወዲ-ዜናዊ መሪሕ ዝተገንሐ ዘተ “መልሲን ኣለሻ-መልሲን” ተኻይዱ። ኣበቲ ዘተ ዘቕረቡዎም ዝተፋላለዩ ኣለሽቲ መልሲ ዝጠውቱ (ዝተረሩ) ፖለቲካዊ ሕቶታት ሒዞም ብሕራነ (ብደፍረት) ንውዲ-ዜናዊ ከሓቱዎ በሀርያት ናይ’ቲ ዉድብ ወስ ከምዘየብል ጉሁድ ስለዘኾነ፤ ‘ቶም ዝቐረቡ ሕቶታት፤ለማሻትን/ላንግላንጋን፤ ዝተጸበናዮምን ‘ዮም ነይሮም። ሓደ ሓታታይ ዘቕረባ ሓንቲ ጥያቐ ግና አቓልቦና ዝሰሓበት ነይራ። ንሎሚ መዛራረቢትና ንኩትኮነናዉን መሪፅናያ ኣለና። ንሳዉን ብጥቕልልታ (ብሓጺር ኣቃራርባ) እዛ ‘ትስዕብ ሕቶ እያ። “ኣይተ መለስ ካብ መንበረ ስለጣኖም ወይ ኣብዛ ሀገር እንተዘይሃሊዮም ብተፈጠሮ፤እንተስ ብግዛዕ/ብገለ ምኽኒያታት ተኣሊዮም/ኣልጊሶም፤ ኣብቲ ዉድብ ኮነ ኣብታ ሃገር ሓደጋታት ከህሉ እዩ። ኣነ’ዉን ይኣምነሉ’የ፤ የሰጋኣኒ’ዩ። እዚ ኣባሃህላ’ዚ ሓቅነቱ ክንደየናይ እዩ?”> እያ’ታ ብሓፂሩ ክንትንትና ከለና ‘ታ ንመለስ ዜናዊ ካብ ሓደ ደጋፊኡ ዝቐረበትሉ ኣለሻ መልሲ። -2- ንሱ እንትመልሳ ብሓጺሩ ብከምዚ’ ተድመፅ፦ <ኣነ ምሰለገስኩ ጸገም ኣይፍጠርን።ገረማርያም መጸ፤ወለማረያም ተተከአ፤ ተጋደለቲ ይኹኑ መራሕቲ ወሰንቲ ኣይኮኑን።ናይዚ ዉድብ’ዚ ሓይሊ ሰብ ኣይኮነን።መስመር’ዩ! መራሐቲ ወይ ዉልቀሰባት ብገለ ኣጋጣሚታት ካበቲ ዉድብ እንድሕር አልጊሶም ልክዕ ከም “ኣብ ዓዲ እንተሎ ዝወግሖ ዝብኢ” ኰይንና ዝስማዓና ሰባት ኣለና። ኣነ ሃለኹ-ኣይሃለኹ፤ተሰማ ሃለወ ኣይሃለወ፤ ኣይልዉጦን፤፡ ኣነ ኰነኩ፤ ስበሓት፤ ቴደሮስ፤ ጸጋይ ወይ-ድማ ስዩም ዋሕሰኩም ኣይኮንናን። ዋሕሰኩም ነቲ ዉድበ ከንብሮን ከጥፎኦን ዝኽእል መስመሩ እዩ። ናይቲ ዉድብ ሂይወት በቀጻላይ ክህሉ ወሳናይን ዋሕስኩምን ‘ቲ መንእሰይ እዩ! ።ኣነ ወይ ናይ ተሰማ ምንባር ዝይመነባር ኣይዉስኖን። ዝዉስኖን፤ ቀጻልነቱ ክህሉ እንተዳኣ ተደልዩ፤ ኢቲ መሰመር’ዩ። ሃለዋቱ መሰመር ድማ ‘ቲ ሕዚ ኣበየ ገጠራት ብሰፊሑ ብብዝሒ ተዳራጂዉ ዘሎ መንእሰይ እዩ። እዚ ቃልሲ’ዚ ንድሕሪት ኣይብል፤ ንጎኒ ኣይብል፤ ንቕድሚት ኣይብል! ንሕና ተረፋት ኢና! ወድብና ሙሩጻት ተጋደልቲ ቀቢሩ እዩ።ተሰማ ዘይዋዓሎ ዉግእ፤ ተሰማ ዘይራኣዮም ሙሩፃት ተጋደልቲ የለዉን፡ ኩሎም ርኢዎም’ዩ። ኰይኑ ግና ቲ ዉደብ ኣብ መስመሩ’ሎ….”> ምስበለ፤ ተጋደልቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኮይኖም ካብ ጊሓቱ ጀሚሮም ክሳብ’ቲ ብረታዊ ገድሊ ዝዛዘም ዝነብሩ ኣብ ዓበየቲ ዉዕሎ ኲናት/ዉግእ ዝዋዓሉ ነባር ተጋዳላይ ዘመድ ሓሎም ኣራኣያ (ሓዱሽ ኣራኣያ) ዘኾኑ ኣቶ ተሰማ፡ ኣብ መስመረካ ረጊጽካ ምጽናሕ ክንደየናይ ዘርሁዉ ሙዃኑን ፤ መስመር ዉድብ ወያነ ዘይጋላበጥ ሙኻኑን፤ ዋላ’ዉን ዉለቀሰባት ኣብ ጽነኩር ጊዜታት ብመሰዋእቲን ብጥለመት/ምስላምን ብዝተፋላለዩ ምኸንያታት ካበቲ ዉድብነ መስመርን እነተተፈለዩዎን እቲ መስመር ከምዘይተቐየረን፤ ሽቱኡ ከመዝወቕዔ ንመስክርነት <<ኣያ ተሰማ ኣለኻዶ፤ ብርክኻ’ ዳኣ ነቕነቕ ይብላለዋ’መበር…… ክዛረብየ ይብል’ሎ’ሞ ማይከሮፎን ሃቡዎ!>> እንትበል መለስ ዜናዊ ን ወዲ 73 ትዉልዲ ዓመቶም ተጋዳላይ ኣያ ተሰማ ብዛዕባ ዘይጋላበጥ’ ዘይልወጥ ዝፈልጡዎ ተሞኩሮ መሰምር ወያነ ትግራይ፡ ነቲ ሓዱሽ ወለዶ ትግራዋይ ተሞኩሮኦም ተሲኦም ንኣዄበኛ ንክገለጹ ዓደሞም። ኩላህና ከመቲ ዝተዓዘብናዮ መስመር ወያነ ከም-ነፋሒቶ ዓሰረተ ዓይነት መትከል/መስመሩ ከምዝቐየረ ንፈልጥ። ኢዮጵያዊነት ዝጠለመ መትከል ወያነ ኣብ ሓደ መርገጽ ዝተጛዓዘላ መሰመር እንተሃልያ ሓንቲን፤ ንሳዉን ሀገር ብመትከል -3- “ጎጣይነት” ጎዛዚኻ ናይ ምብታን መሰመር እያ። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ መለስ ኮነ፤ስበሓት ነጋ -፤ መስመር ወያነ ኮነ መንበረ- ስለጣን መንግስትነቶም ተፃባኣይ እንተዳኣ ተጓኒፉዎ <ነናብ ድርኩዅትና ከንባታተን ኢና!> ከምዝበሉ ንህዘቢ ኢትዮጵያ ከምዘሳናብዱዎ ዝዝከር ኢዩ (ብሕለፊ ድማ ስብሓት ነጋ!!)። ድሕሪ ስልጣን ምዕትዓት’ዉን በሕሶት፤ ብኣሉቐጣን ኣብ መስመር ምጽናዕ ስብከቶም ከምኡ’ዉን ታ ጥልመት መሰመሮም ሕዚ’ዉን ህያዉ ከምዘላ ኣብ መስመራ ኣላ (ኣከቲቭ -እያ ዘላ )።ይጃሃሩላ’ዉን አለዉ። ምሕሳዉን ምድንጋራትን ዐልየት-ንዓልየት ምግርጫዉን ከም መሳርሒኦምን መሳለጢ ናብቲ ክሳብ ሕዚ በጺሔሞ ዘለዉ ጎደና ዘብጸሖም ሙኻኑ እነፈልጦ ባህረታቶም ዋላ’ኴ እንተኾነ’ዉን ፤ ሃገራዊ ረብሓ ንዉልቀ ረብሓኦም እንተሰተሉሙዎ ግና ስኽ ኢልና እንዳተላኣምና ክንጽመሞም ምግባር ወሰኽ በደል ‘ዩሞ - ኢትዮጵያዊነት እንዳተዓንገለ ዝዓበየ ሕልናና ስኽ እሉ ክፈቕደሎም ኣይግባእን ንብል። ጥልመት ማለት ‘ቲ ዝነበረ ታሪኽ ኣየነበረን፣ ‘ቲ ዘተመዝገበን ዝተገብረ’ዉን፡ኣይተገብረን፣ ኢልካ ብኣሉ-ቐጣን ምጽናዕ ማለት እዩ። ክሕደት- ዓርሰ ጎንፂ እዩ። እንግሊዛዉያን’ቲ “ደናያል” ዝበሉዎ ዓይነት ማለት’ዩ። ካብ ጊሓቱ - ወዲ ዜናዊን ስብሓት ነጋን፣ ሕዘቢ ትግራይ ኣዳናጊሮም -ንዉልቀ ረብሓኦምን ኤርተራዊ መስመሮምን እንትብሉ፤ እንተይሓመሙ ሓሚምናልካ እንዳበሉ ፤ ህዝቢ እንትትክዝን እንትቑዝምን እንዳቖዘሙ፤ ገባር እንቲ’ስተንትን ፤እንዳስተንተኑ። ዘይነበረ ሓዱሽ ባንዴራን መሰመርን ግን ብሓጛ እነዳልሓጉ ብምሰትምሃር፤ “እያአይ!” ንዝበለ ድማ ብቐልጢን ብምፍርራህን ንብረቱን ደቁን ብምህጋር፣ ዓላማ ቀጠፈቲ ሽቱኡ ከወቅዕ ኢሉዎ ከም አጋጣሚ ደርጊ’ዉን ነቲ ሀዝቢ “ከብዲ-ምንሸሮ/ዒፍ-ሽዋ” ኰይኑዎ (ስለዘጸገመሉ)፣ ታ ዝነበረቶ መማረጺት ሓንቲን ንሳን ንበርኻ ምዉያን ስለዝነበረት፡ ህዘቢ ብብዝሒ ምስወየነ፤በጻብዕቲ ዝቑጸሩ መራሕቲ ወያነ ዘይተጸበዩዎ ሙጆ ወሪዱሎም ከምዝኸሰቡሉን እቲ ዉድብ ከምዝጨወዩዎን፤ነቲ ብጸገምን በፍትሒ ምስዓንን፣ ከም ዉቃዕ በለስ ዘይሓዊ በሰላ ዘጥረየ ህዘቢ ትገራይ’ዉን ንነዊሕ ጊዜ ክሳብ ‘ዛሎሚ ንዛራረበላ ዕለት ነግ ፈረግ ከምዘይብል “ጅሆ” (ሆስተጅ) ከምዝሓዙዎ ንፈልጥ። -4- ክሕደትን ታሪኽ ባንዳታትን ብህዘቢ ትግራይ ተቐባሊነት ክረክብ’ዉ’ን ኢሎም፤ ብኣዕራብ ዝተስብኩ ዑሱባት ኤርትራዉያን ዝሓንጸጹዎ መስመር ባንዳታት ብህዝቢ ትግራይ ቁቡልነት ከህሉዎ ብዙሕ ጻዕሪ ከምዝገብሩ ካብ ኣንደበቶም ተዳጋጊሙ ከምዝተዘርበ ዘይካሓድን እንተይሓነኹ’ዉን ዝተጃሃሩሉ እዩ። እቲ ዝደምም ድማ በስም “ወያናይ-ዲሞከራሲ” (ሪቮሊሽናሪ ዲሞከራሲ) መስመር፤ ንኤርትራዉያን ኣሻሪዮም ንሃገሮም ንኢትዮጵያ ዝኻሓዱሉ’ቲ ቀዳማይ ናይ ጥልመት መስመሮም’ዉን “ዘይጥለም መትከልና” እንትበሉ ንሰገናት ትግራይ ክስበኩ ምርኣይና ባንዳዊ መትከሎም መዕገቲኡ ኣበይ ከምዝኸዉን ገሪሙና’ሎ። መናእሰይ ትግራይ መስመረኩም ኣትዒትኩም ኣጽኒዕኩም ሓዙ እንትብል መለስ ዜናዊ ኣብ ሸረ-እነዳስላሰ ዝመለሶ ምላሽ’ዉን -እቲ ወዲ ዜናዊን ስበሓት ነጋን ወገሐ-ጸብሐ ዝሕለቑሉ ዘለዉ “ዕኽኽ” ዘበለና ሀዘቢ <ዓኽ’ እነቱፍ> ዘበሎ ጉዳይ ኤርትራኦም’ እዩ! ካልእ ዘይራኣናዮን ዘይተሰብከን መስመር ወያነ ኣይህሉን።ከህሉዉን ኣይኽእልን። ብዘተረፈ ጊዜ እነትልወጥ መስመር ምምዕርራይ ናይ ግድን እንዳሃለወ፤ ፖለቲካ እንትልወጥ፤ኣታሓሳስባ ዓለምን ዉሽጣዊ ማሕበረሰብና እንዳተቐየረ ንሓድነትን ዉህደትን እንትጠልብ፤ መስመር ወያነ ግና ካበታ መስመሩ ነቕ ከይብል ኢለካ ምስባኽ ፤ ካብ “ዴማጎጊ” {ዓጻቕነት} ሓሊፉ ደረት ዝሳሓተ ድነቁርና እዪ። እንትኾን’ድማ ሃገራዊ መኽሰብ ዝፃባእ መትከል ንክቕጽል ምፅዓር ! ኣንበብተይ ከትርዱኡዎ ዝደሊ ነገር- ንሕና ሀዘቢ ትግራይ ኰነ፤ተጋደለቲ ወያነ ትግራይ ከምተጻባኣይ ገይርና ኣይኮንናን እንርእዮ። እቲ ህዝቢ ን’ንባዓል ወዲ ዜናዊ ቀሪቡዎም ንዓና ዝርሕቀና ዘይተወለድናሉ ሩባን ህዘብን ኮይኑ ኣይኮነን። ነቲ ሓደ ቀሪቡ፤ ንሓደ ዝርሕቆ ምኸነያታት ጥር’ትበል ምኸኒት ሃሊዩ ኣይኮነን። ዘስተንትነና ጉዳይ ግና ህዘብና ብዘይግባእ ይጛስይዎ እነትንርኢ፤ የጉህየናን የሕዝነናን ስለዝኾን እዪ። ስለዝኾነ’ዉን ኢዚ ትንታነ’ዚ ኒመለስን ብመትከል/መሰመር መለስን ዝተጠመቑን/ዘቖሮቡን፤ ታሪኽ ሃገሮምን ታሪኽ ዮሃንስ ኣሉላን ዝኻሓዱን ባሕሪ ወደባታትናን ህዘብናን ዝበታተኑዎን፤ዘቃያየሙን ዝመቐሉዎን፤ በሓዱሽ ወጠሪ ዉግእ ብኣሻሃት ወገናትና ክሃልቅ ዝገበሩ፤ ኣብ መሰመር ጥልመት ንዝተጉዓዙን፤ ንሓዋሩዉን በዚ ናይ መስመር ጥላመት ዚጛዓዙን’ዩ እቲ ቀንዲ ፖለቲካዊን ታሪኻዊን ማሕብራዊን መጎተናን ጠመተናን። ንምንታይ’ዩ መስመር ዉድብ ወያነ ትግራይ ብጥልመት ዝኽሰስ ዘሎ? ወያነ ዝኽሰሰሉ ፖለቲካዊ መሰምሩ ቆጺረካ ዝዉዳዕ ኣይኮነን። ወያነ ትግራይ ካብቲ መበገሲ ነይሩዎ ዝተበሃለ ህዝባዊ -5- መስመሩ ስሒቱ ንዉል-ቀሰባት መጥቀሚ ስልጣንን፤ መሳጋገሪ መስመር ኤርትራዉያን ኮይኑ ንከገልግልን ክድረትን <ዘተጨዉየ> ዉድብ ከመዘኾነ ኣነ ዘይኮነኩስ በዙሓት ተጋደልቲን ገለ ካብኦም’ዉን መራሕቲ/መሰረትቲ ወያነ ትግራይ ደጋጊሞም በጽሑፍ ዘመዝገቡዎን ዝመስከሩዎን ኩነት እዩ። ገና ብጊሓቱ ጎጣይ ዝኾነ ሓጛፍ ስብከት ጥራሕ ዘይኮነ ቃልሱ ኣሃዱ ኢሉ ንህዘቢ ዘመወሶ ፦ ነቲ ጎጣይ መሰመሩ መትረሪ ዝመረጾም ካብ መጸዉዒ ኣስማታቱ’ ጀሚሩ- ዱሩት ዘኾነ፤ንገደሊ ኤርትራን ንትግራይ ሓራ ጥራሕ ዝግደስን፤ ዘጠመተ ሙኻኑን ትርጉም ናይ’ቶም ፖሊሲታቱ ፤ኣርማታቱን ባንዴራኡን እቲ ዝስጉሞሉ ዘሎ ጋህጻጽ ጎደና ኣማዓዳዋይ /መመለከቲ ጥልመት እዪ። እቲ ከባቢያዊ መትከሉ ከምኡ ስለዝነበረ’ዉን እዪ ብ1982 ኣብ ሮማ ምስ ደርጊ ዘተገብረ ምይይጥ ወከልቲ ወያነ ነቲ ዝርርብ ዕንቅፋት ንምፍጣር ዝጸበጸቡዎን ብቀዳማይ ዘቕረቡዎ ነጥቢ <“ንሕና ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኣየእትወናን። ወደባት ባሕሪ ዪሰገጥ ኣይሰገጥ ዋኒንና ኣየኮነን። ምሳና ክትዛራረቡ እነተዳኣ ድለየት ኣልዪኩም ብዛዕባ ትግራይ ጥራሕ ንዛራረብ እምበር ብዛዕባ መጻኢት ዕድልኢትዮጵያ ክንዛራረብ ዱሉዋት ኣይኮንናን።” > ከምዝበሉ “ጦቢያ” ዝተበሃለ መጽሄት ኣብ {ቅጽ 8 ቁጽሪ 1 1992 <ለየትኛዉ መብት ነዉ የምንታገለዉ? ለወደብ አገለግሎት? ላአፋሮች ዉህደት? ለባሕር በር? ሐሰን ዑመር አብደላ}። ገሊጹዎ ከምዝነበረ ነዝክር። ንሓያለ ዓመታት ክሳብ ሎሚ ዝዘመረሉን፤ ዝዘተየሉን፤ ዝገጠመሉን፤ዘተላሃየሉን፤ዘተማጎተሉን ዘስቆርቁረሉን ዘስተንቱኖን፤ዘስተማስሎን መቐረታት ኩሉም፤ በዛዕባ ትግራይ እመበር ብዛዕባ ዉዕሎ ሓድነት እትዮጵያን ታሪኻን ባንዴራኣን፤ጸገማትን ኣይነበረን! ካብ’ቲ መስመር’ቲ ዘተበገሰ’ዉን’ዩ ሀዝቢ ዘይዘተየሉ ናቱ ናይ ዉድቡ ባንዴራ ናይ ህዘቢ ትግራይ ባንዴራ ኢሉ ብምትካል፤ ሃገርን ዓለምን ዝፈለጣን ዝሰቐላን ዘኽበራን ባንዴራ ኢትዮጵያ፤ እቲ ሓዲሽ ትግራዋይ መንእሰይ ድሐሪ ጊዜ ንክፍንፍናን፤ ንከይፈልጣን ምእንታን፤ አብ ሜዳ እንተለዉ ባንዴራ ኢትዮጵያ እንዳውረዱ ባንዴራ ወያነ ትግራይ ይሰቕሉን ይዝምሩላን ከምዝነበሩ ካብ ተጋደልቶም ዝተዉሃበ ምሰክርነት ብራድዮ ድምፂ ወያነ ትግራይ <“ካብ ቃለሲ ማህደርና”> ኣብዝብል መደብ ዓሚ ዝተማሃለፈ ፍጻመታት ወያነ ትግራይ ክሳብ ከንደይ ንሃገራዊ ኣርማ ንዕቀት ከምዝነበሮ ንዝክር። ኣበቲ መደብ’ቲ ዝነበረ ዑዱም ጋሻ፤ ካብተን ሓንቲ ናይ ከራቢት ኣሃዱታት ኣብ ከባቢ ሽረ- እነዳስለሰ እትንቃሳቐስ ዘነበረት ኣባላ ዝነበረ ነባር ተጋዳለይ <ካሳ ጉግሳ> እንትዛረብ ከምዚ ይብል <….ዋላ ኣብ ከተማ’ዉን ኣቲና ባንዴራ ኢትዮጵያ ኣዉሪድና “ናይ ባዕልና” ሰቒልና ንወጽእ ነይርና።> ይብል። -6- እዚን ወዲዚንዩ መለስ ዜናዊ መሰመርኩም ኣጽኒዕኩም ሃዙ ብመባል ንመናእሰይ ትግራይ ትመህርቲ ጥልመት ክሰብኽ መሬት ዝመስዮ ዘሎ። ብ ሩሱን “ባህረ- ተፊናይ ” ዝግናሕ ወያነ ትግራይ፤ አብቲ ከባቢ ዝቃለሱ ዘነበሩ ተጋሩን ካልኦት ዉድባትን ብተፊን ባሀርያቱ እንዳተዋገአ፤ ተጻባእተይ’ዮም ዝበሎም ግሒጡ ካበቲ ከባቢ ኮሰቲሩ ከምዘይንቃሳቐሱ መስገበሮም፤- ምስ ከምኡ ዝበሉ ታሪኽ ወለዲ ፤ታሪኽ ሃገሮም ዘማራስሑ ምስ ናይ ኤርትራ ተፊናት ወጊኑ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዉያንን መርገፅ ኢተዮጵያዊነት ዝሓዙን ዝሞጎቱዎ ተጋደለቲ ወያነ ትግራይ ገባራትን ከተመቶትን እንዳጨወየን፤ እንዳቐተለን፤ እንዳሳራጠየን፤ ገሊኦምዉን ካብቲ ዉድብ በግዲ እንተይፈተዉ ክስጎጉን አንፀርፂሮም ካ’ብቲ ገድሊ ንወጻእ ንክስደዱን ዘገበረ ጎደና ጥልመትን ዓብላላይ ባህርያቱ ብጎበዝ ኣድሪነት ዝምራሕ መስመር እመበር ዲሞከራሲአዊ ወይ ሕያዋይ/ሰብኣዊ መሰመር ከምዘየኮነ ዝተጋህደ እዩ። እቲ መስመር፤ ከመቲ ወዲ ዜናዊ ዝሰበኮ ሕሶት ዘይኮነስ፤ ቲ ዉድብ በዙሕ ጊዜታት መርገፁ ቀየሩ እዩ። እንተይ ቀየረኩ ኣብ መስመረይ ኣለኹ ዝብለና ዘሎ- ፤ ሓቁ እዩ እንብላ መሰመር እነተሃልያቶ፤ ሓንቲን-ንሳን-እታ እንፈልጣን እያ። ነሳዉ’ን ንሱን መሻሩዉቱን ከም - ብርሃን ዓይኖም - ነታ መርገጽ ኤርትራ ዝሕብሕቡዋ፤ ዘለዉ ዘይትቕየር <ፍቐሪ ኤርትራ> እያ። ብዝተረፈ ወያነ ከም ነፋሒቶ በዙሕ ጊዜ መሰመሩ ለዊጡ እዩ። ካብ ሪፓብሊክ ትግራይ (መጻኢት-ትግራይ) ናብ (መስመሩ ዘይነፀረ ለኽበጥበጥ ዘበለ ኢትዮጵያዊነት መርገፅ፡ ካብ “ኮሚኒሰት- ማለሊትነት”- ናብ -“ገፋፋይ- ርእሰማላዊነት” ካብ መርገፅ 100 ዓመት ታሪኽ ኢትዮጵያ (መዋእል ሃገረ ደቂቀ ምንልክ) - ናብ 3000 ዓመት ዉዳሰ ታሪኽ ኢትዮጵያ (በሃንደበት ኣብ እዋን ጭነቀት- አብ ዓዉደ-ዉግእ “ግምባር ባድመ” ዝተቐለቀለት ዝተሳናበደት ሃንደበታዊት መልሓስ!!); ክንደይ ለኽበጥበጥን ገልበጥበጥን ዝበለ መስመር ወያነ ኢልና’ሞ ክንፀዮ?! ሰላም ንምነ! ጌታቸዉ ረዳ